መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ህቡብን ሓርበኛን የማነ ገብረሚካኤል ብዓቢ ድምቀት ተዘኪሩ::
ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 3/11/2007 ብትሕዝትኡን ኣቀራርብኡን ኣዝዩ ፍሉይን ድሙቕን ናይ ዝኽሪ ምሸት የኣንጊዳ ኣምስያ::ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ህቡባት ድምጻውያን ብፍላይ ከኣ ናይቲ ምሸት ክብርቲ ጋሻ ኮይነን ዘምሰያ ኣዲኡ ንየማነ ባርያ ኣዲና ኣደይ ኣዜብ ነቲ ዝኽሪ ብኣካል ክሳተፍኦ ምኽኣለን ተወሳኺ ጦብላሕታ ፈጠረ::
እዚ ኣብ ሞካምቦ ዝበሃል ቦታ ዝተገብረ ናይ ዝኽሪ ምሸት ልዕሊ 600 ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉን ብመንገዲ ኢንተርነት (ፓልቶክ) ኣቢሉ ኸኣ ብቐጥታ ናብ መላእ ዓለም ክተሓላለፍ ምኽኣሉ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ የማነ ነቲ መደብ ክከታተልዎ ኣኽኢልዎም እዩ: ነቶም ነዚ መደብ ንምዕዋት ኩሉ ዓይነት ተራ ዝተጻወቱ ኸኣ ምስጋና ይብጻሓዮም:: ኣብነትኩም ከኣ ነቶም ስም የማነ እንዳጸውዑ ብቃላት ጥራሕ ዝዝክርዎ ዓቢ መሃሪ ተመክሮ ክኸውን ተስፋ ንገብር::
ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ ናይ የማነ ባርያ ደርፊ ዝኾነት ”ዘመን” ብመልክዕ መዝሙር ክትዝመር ከላ ተሳተፍቲ ናይ የማነ ስእልን ”ወትሩ ህያው’ዩ” ዝብል ጽሑፍ ዝሓዘ ካናቴራ ተኸዲኖም ብሓባር ዘሚሮማ::
ሓጺር ታሪኽ ሂወት የማነ ንሰማዒኡ ሓድሽ እካ እንተዘይነበረ ብኣቃራርባ ሓው ንጉሰ ሃይለ (መንሰዓይ) ታሪኽ የማነ መሊሱ ተኾሊዑ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍና ልዑል ቦታ ሒዙ ኣሎ:: ከምእውን ሓው ይትባረኽ ገብረትንሳኤ ዝገጠማን ህቡብ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልሪሕም ዜማ ዝገበረላን ደርፊ ነቲ ዝኽሪ ካልእ ናይ ድምቀት ምኽንያት’ያ ኔይራ:: ልዕሊ ኹሉ ግን ወላዲት የማነ ባርያ ኣዴና ኣደይ ኣዜብ ዝተዛረብኦ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ዘረባ ንሕልና ነፍስወከፍ ተሳታፋይን ነቲ ካብ ኩሉ ዓለም ዝከታተሉ ዝነበሩን ደገፍቲ ንሕልንኦም ከይካሕኩሐ ኣይተረፈን:
” ሞት የማነ ወደይ ንልዕሊ 9 ዓመት ንብዓተይ እንዳነጠበ ብሓዘን እየ ሓሊፈዮ ሎሚ ኣብ መበል 10 ዓመቱ ግን ተደቢሰ” ክብላ ንኹላትና መልእኽቲ ሓዘል ቃለን ኣስሚዐን::
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment